ሱዳን፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ስርዓት በሺር ብኮረና ቫይረስ ተጠቒዖም

Radio Erena: 29 May 2020

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ኣብ ሚያዝያ 2019፣ ናብ ማእስርቲ ካብ ዝኣተዉ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይቲ ስርዓት፣ ብውሕድ ሰለስተ ብኮረና ቫይረስ ከምዝተጠቕዑ ተገሊጹ።

ንሳቶም ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን ነበር ዓሊ ዑስማን ጣሃ፣ ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያት ነበር ኣሕመድ ሃሩንን ሚኒስተር ምክልኻልን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ድሕሩ ድማ ኣማሓዳሪ ዞባ ኮርዶፋን ነበር ዓብደራሒም ሑሰንን ምዃኖም ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣነጺሩ።

ካልኦት ምንጭታት ድማ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ዝርከቦም ሓያሎ እሱራት፣ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከይኮኑ ስለ ዝተጠርጠሩ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም መርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ሓዉ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ኣል በሺርን ሓደ ካልእን ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም እኳ እንተተረጋገጸ፣ ንዝያዳ ውሕስነት ግና ናብ ሕክምናዊ ውሸባ ኣትዮም ኣለዉ።

ዛጊት ልዕሊ 4100 መልከፍቲ ኮረና ቫይረስን ልዕሊ 180 ሞትን ከምዘጋጠማ ኣብ እትገለጽ ሱዳን፣ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከይላባዕ ብምስጋእ ልዕሊ 4 ሽሕ እሱራት ፈቲሓ’ያ።

ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺርን ጉጅልኡን ግና ክፍትሑ ከምዘይኮኑ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ዩ።
============

COMMENTS

WORDPRESS: 0