ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም ክወጹ ሓቲታ

Radio Erena: 08 April 2021

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘሰሓሕብ ከባቢታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዓቃብ ሰላም ክወጹ ንሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ነቶም ኢትዮጵያውያን ዓቀብ ሰላም ብዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክትክኦም፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ማርያም ሳዲቕ ኣል ማህዲ ከምዝሓተተ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ሚኒስተር ማርያም፣ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ብዝምልከት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምፍሻሉ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ’ያ፣ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ሕቶ ከምዘቕረበ ዘፍለጠት።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐት፣ ካልእይ መድረኽ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ከተተግብር ምውሳና፣ ሱዳን ከም ተጻብኦ ከምእትርእዮ ‘ያ ገሊጻ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ግጭት ተጸሚዳ ስለ እትርከብ፣ ህላወ ናይቶም ልዕሊ 4000 ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም ኣብ መሬት ሱዳን፣ ብዓይኒ ጸጥታዊ ስግኣት ከምእትርእዮ ኣረዲኣ።

ምስ ሱዳን ወጊኑ ዘሎ መንግስቲ ግብጺ ብወገኑ፣ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ እንተወሲዳ፣ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0