ሱዳን፣ ንኽሲ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ

ሱዳን፣ ንኽሲ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ

Radio Erena: 25 May 2018

sudan foreign affairs

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓቢረን ንተቓወምቲ ኤርትራ ንምሕጋዝ ክሰርሓ ተሰማሚዐን ንዝብል ብ15 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

እቲ ሚኒስትሪ ብ23 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣንጻር ኤርትራ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ብሓባር ክድግፉ ተሰማሚዖም ንዝብል ክሲ መንግስቲ ኤርትራ፣ መሰረት ዘይብሉ’ዩ ክብል ነጺግዎ።

ብመግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ቅሬታ ከምዝተሰምዖ ዘመልከተ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ እቲ መንግስቲ ንዘጋጥምዋ ዘሎ ውሽጣዊ ጸገማት፣ ናብ ሱዳን ካብ ምውጥዋጥ ክቁጠብ ተማሕጺኑ።

እቲ መንግስቲ ብጉዳይ ሱዳን ከየመኻነየ፣ ዘለዎ ውሽጣ ጸገማት ክፈትሕ’ውን መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ተላብዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ’ውን ሱዳን ምስ ቀጠር ብምትሕብባር ኣንጻር ኤርትራ ትሰርሕ ከምዘላ ምውቃሱ ኣይርሳዕን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0