ሱዳን፣ ንስድራቤት ግዳያት ቅድሚ 20 ዓመታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክትክሕስ’ያ

Radio Erena: 14 February 2020

ሱዳን፣ ንስድራቤት ግዳያት እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክትክሕስ ምዃና ገሊጻ።

ሲኤንኤን ንሰበ ስልጣን ሱዳን ጠቒሱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ሱዳን 30 ሚልዮን ዶላር ክኽሕስ ተሰማሚዑ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ እቲ መጥቃዕቲ ብሱዳን ከምዝተፈጸመ ስለዝኣመነ ዘይኮነ፣ ሱዳን ኣብ ዘበነ ስርዓት በሺር ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ትተሓባበር’ያ ብዝብል ተጠቒሳትሉ ካብ ዘለ መዝገብ ኣመሪካ ንምስራዛ ‘ዩ።

ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ፣ እቲ ስምምዕ፣ ኣካል ናይቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ፣ ንሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ንምስራዝን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስን ዝቐረበ እማመ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ጥቅምቲ 2000፣ the USS Cole ዝተሰምየት ወትሃደራዊት መርከብ ኣመሪካ፣ ነዳዲ ንምምላእ ናብ ወደብ ዓደን ናይ የመን ኣብ ዝተጸግዓትሉ እዋን፣ ነታጕ ብዝተዓነት ንእሽቶ ጃልባ ብዝተኻየደላ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ 17 ኣባላት ባሕርያ ኣመሪካ ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ሱዳን ዝተደገፉ ዕጡቓት ኣልቓዒዳ ከምዝፈጸምዎ’ያ ኣመሪካ ትኸስስ።

ኣብ 2014 ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ፣ ሱዳን እቲ መጥቃዕቲ ብኣልቓዒዳ ንኽካየድ ተኣፋፊ ሓበሬታ ከምዘመሓለለፈት ብምጥቃስ፣ ስድራቤት ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ 35 ሚልዮን ዶላር ክከሓሱ ከምዝበየነ ይዝከር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0