ሱዳን፣ ብሰንኪ ቀቢላዊ ግጭት፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ መዝነቱ ተባሪሩ

Radio Erena: 28 August 2019

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ብ22 ነሓሰ ዝተጎሃሃረ ቀቢላዊ ግጭት፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ጀነራል ቓስም ዓብደል ፈረጅ ካብ መዝነቱ ተሰጕጉ።

ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ዞባ’ውን ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።

ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ነቲ ኣምሓዳሪን ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ዞባን ካብ መዝነቶም ከምዝሰጎጎም ዘፍለጠ፣ ቀቢላታት ቢን ዓምርን ኣል ኑባን፣ ኣብ ከተማ ፖርት ሱዳን ንዘካየድዎ ግጭት ክገትኡ ብዘይምኽኣሎም’ዩ።

ኣብቲ ግጭት፣ ካብ ክልቲኦም ቀቢላላት ብውሕዱ 17 ሰባት ሞይቶም።

መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ኣስታት 300 ተወሰኽቲ ሓይልታት ፖሊስ ብምውፋር ነቲ ግጭት ከምዘህድኦ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብቲ ዞባ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0