ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚኒስተራት ምክልኻልን ውሽጣዊ ጉዳያትን ዘይብሉ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ቆይሙ

Radio Erena: 24 January 2022

መራሒ ናይቲ ኣብ ሱዳን፣ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ 15 ኣባላት ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ከምዘቖመ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣንጻር ወትሃደራዊ ጉጅለ ተቓውሞ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣቝሙ ዘሎ።

ብስም ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ መግለጺ ከምዘረጋግጾ፣ ሓድሽ ቆይሙ ዘሎ ካቢኔ ሚኒስተራት ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ይኹን ሚኒስተራት ምክልኻልን ውሽጣዊ ጉዳያትን የብሉን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ 2 ጥሪ ስልጣኑ ድሕሪ ምሕዳጉ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ንዕኡ ንምትካእ ዝረቑሖ በዓል ስልጣን ዛጊት የለን።

ብሓሙስ 20 ጥሪ፣ ናብ ካርቱም ዝበጽሐ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ናጻ ዝኾነ ሓድሽ ሃገራዊ ናይ ክኢላታት መንግስቲ ክቐውምን ሱዳን ገጢሙዋ ንዘሎ ፖለቲካዊ ብድሆ ንምፍታሕ፣ ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ዘተ ክዋደድን ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዝተሰማምዑ ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም’ዮም።

ጀነራል ኣልቡርሃን’ውን፣ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተራት ምክልኻልን ውሽጣዊ ጉዳያትን ዘይብሉ ሓድሽ መንግስቲ ከምዘቖመ ዝተሓበረ ኣብቲ ዕለትቲ’ ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0