ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም፣ ኣብ መንጎ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ናይ መወዳእታ ዘተ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 11 January 2023

ኣብ ሱዳን፣ ሲቪላዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም፣ ኣብ መንጎ’ቲ ብዕልዋ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ሰራዊትን፣ ንሰልፍታት፣ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዝወከሉ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ናይ መወዳእታ ዘተ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ9 ጥሪ ዝጀመረ ናይ መወዳእታ ዘተ፣ እቲ 20 ጥቅምቲ 2021መሻርኽቱ ንዝነበረ ሲቪላዊ ወገን ብምእላይ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ፣ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ክእለን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ብሲቪላዊ ወገን ጥራይ ክቐውምን ኣፍደገ ዝኸፍት’ዩ።

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ጀነራል ዑመር ኣልበሽር፣ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፣ ብሰራዊትን ንሲቪል ዝወከሉ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከሰጋግራ ትጽቢት እኳ እንተተነብረሉ፣ ኣብ ዓመትን መንፈቕን ወትሃደራዊ ጉጅለ ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ብሒቱ ጸኒሑ።

ሱዳናውያን፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ክቐውም፣ ንኣዋርሕ ብዘካየድዎ ተቓውሞን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብዝገበሮ ጸቕጢን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ንሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከረክብ ብዝወሰኖ መሰረት፣ ኣብ 5 ታሕሳስ ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዳግማይ ዘተ ከካይድ ጀሚሩ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብቲ ዕለት ብዝኣተዎ መብጽዓ ድማ’ዩ፣ ስልጣኑ ንሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምርካብ ካብዚ ሳልስቲ’ዚ ጀሚሩ ናይ መወዳእታ ዘተ ዘካይድ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0