ሱዳን፣ ሕጋዊ መንበሪ ወረቀት ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይግፈፉ

ሱዳን፣ ሕጋዊ መንበሪ ወረቀት ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይግፈፉ

Radio Erena: 11 October 2018

 sudan gifaኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዝንቐሳቐሱ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዒላማ ዝገበረ ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ኣሎ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ካብቲ ቅድሚ እዚ እዋን’ዚ ዝተኻየደ ግፋታት ዝፍለ ከምዘይኮነ ኣስሚሮም።

ነቲ ግፋ ዘካይዱ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን፣ ግቦ ክኸፍልዎም ንዝኽእሉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፍንውዎም ምህላዎም’ውን ጠቒሶም።

ሱዳን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተደጋጋሚ እዋን ነናብ ዓዶም ከምዝሰጎጎት ይፍለጥ።

 

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0