ሱዳን፣ ሓንቲ ካብተን ክልተ ደቂንስትዮ ኣባላት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ፣ ሲቪላዊ ምሕደራ ይጉሰ ኣሎ ብዝብል ስልጣና ሓዲጋ

Radio Erena: 25 May 2021

ኣባል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾነት ዓይሻ ሙሳ፣ ብወትሃደራት ዝተዓብለለ መሰጋገሪ መንግስቲ ንሲቪላዊ ምሕደራ ይጎስዮ ኣሎ ብዝብል ስልጣና ሓዲጋ።

ንሳ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ካብ ወትሃደራዊን ሲቪላዊ ወገናት ብልፍንቲ ኣብ ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ዝተወከሉ 14 ኣባላት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን’ያ።

እቲ ን39 ኣዋርሕ ብመሰጋገሪ ስልጣን ክሕዝ ዝተባህለ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ብወትሃደራት ስለዝተዓብለለ፣ ናይቶም ስቪል ኣባላት ድምጺ ኣይስማዕን’ዩ ክትብል’ያ ዓይሻ ሙሳ ወቒሳ።

ድምጽ ሲቪላውያን ኣባላት ኣብ ዘይስምዓሉ ቤት ምኽሪ ድማ ኣባሉ ኮይና ክትቕጽል ስለዘይደለተ፣ ካብ ስልጣን ክትእለ ከምዝወሰነት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ኣፍሊጣ።

ዓይሻ ብተወሳኺ፣ እቲ ብወትሃደራት ዝተዓብለለ ዝበለቶ ቤት ምኽሪ፣ ናጻ ሓጋዊ ኣካል ኣብ ምቛም፣ ኮነ ኢሉ ምድንጓያት የርኢ ከምዘሎ ነቒፋ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ሓይልታት ሰራዊት ክልተ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምቕታሎም፣ ስልጣን ብፍቓዳ ንምሕዳግ፣ ብ12 ግንቦት ናብቲ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ሕቶ ከምዘቕረበት ሓቢራ።

ክልተ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝነበሮ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ድሕሪ ምእላይ ዓይሻ ሙሳ፣ ሓንቲ ጥራይ ክህልዎ’ዩ።

ኣብ ናይ ምስግጋር መስርሕ እትርከብ ሱዳን፣ ተመሊሳ ናብ ወትሃደራዊ ምልኪ ከይትወድቕ ስግኣት ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0