ሱዳን፡ ልዕሊ 50 ደሞክራሲ ዝጽውዑ ሓይልታት፤ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፤ ሓድሽ ቅዋም ኣጽዲቖም

Radio Erena:09 October 2022
ኣብ ሱዳን ደሞክራሲ ዝጽውዑ ሓይልታት፤ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፤ ሓድሽ ቅዋም ኣጽዲቖም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ሓድሽ ቅዋም፤ ተሳተፍቲ ኣካላት ንሱዳን ናብቲ ቅኑዑ መስመር ምህናጽ ደሞክራሲ ክመርሕ እምነት ከምዘለዎም ገሊጾም።

ድሕሪ 2019 ንመጀመሪያ ግዜ ልዕሊ 50 ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ተኣኪቦም ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑሉ ቅዋም፤ወተሃደራዊ መንግስቲ ካብ ስልጣን ምእላይ፤ ስምምዕ ሰላም ጁባ ምስራዝ፤ ምትካል ሓድሽ መሰጋገሪ ቅዋምን ሓጋጊ ቆንስልን ዝብል ነጥብታት ከምዝርከቦ ኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ስምምዕ ሰላም ጁባ፤ ንወተሃደራውያን ሓይልታት ዝጥርንፍ እኳ እንተኾነ፤ ንካልኦት ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ማዕረ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን ብምባል እዩ እዚ ሓድሽ ተመስሪቱ ዘሎ ምጥርናፍ ከምዝስረዝ ዝገብሮ ዘሎ።

መራሒ ናይቲ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣልቡርሃንን ምኽትሉ ዳጋሎን፤ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝወረዶም ጸቕጢ ስልጣን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ከረክቡ ብተደጋጋሚ ቃል እኳ እንተኣተዉ፤ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ በትረ ስልጣን ኣብ ኢዶም እዩ ዝርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0