ሱዳንን ጫድን ንዶባዊ ጸጥታአን ብዝምልከት ይዝትያ

Radio Erena: 29 January 2023

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ምኽትሉ ጀነራል ሓምዳን ዳግሎን በብውልቆም ምስ መራሒ ጫድ ርክብ ከካዪዱ ምዃኖም ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ንጸጥታ ዶባት ብዝምልከት ዝካየድ ኣኼባ፣ ንህላዌ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝምልከት ክዝተየሉ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብ መንጎ ዶባት ሱዳን፣ ጫድን ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ፣ መጥቃዕቲ ክገብር ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣብ ሰለስቲኤን ሃገራት ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ እዩ።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ሱዳን ምስ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሩሲያዊ ዋግነር ግሩፕ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎ እዩ ዝንገር።
ሩሲያዊ ዋግነር ግሩፕ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዕደናዊ ንጥፈታት ንዝርከባ ትካላት ሩስያ ወተሃደራዊ ሓለዋ ክህብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ወተሃደራዊ መሳርሒ ይህቦ ኣሎ ዝብል ክስታት ብዝተፈላለዩ ወገናት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።
ምልውዋጥ ጸጥታዊ ሓበሬታ፣ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ርክብ ክዝተየሉ ትጽቢት ዝግበሉ ክኸው እንከሎ፣ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጫድ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ፣ ንምርግጋእ’ቲ ዞባ ሓይልታት ጸጥታ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ክሰርሑ ብሰበስልጣን’ተን ሃገራት ጠለባት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።
ብጀነራል ኢድሪስ ዩሱፍ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ጫድ፣ ብ21 ጥሪ ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ንምዝታይ ናብ ከተማ ካርቱም ዑደት ኣካዪዱ ምንባሩ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0