ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ካብ ወትሃደራዊ ህላዌ ናጻ ዝኾነ ዶብ ንምኽፋት ይዝትያ

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ካብ ወትሃደራዊ ህላዌ ናጻ ዝኾነ ዶብ ንምኽፋት ይዝትያ

Radio Erena: 02 October 2018

 sudanese generalsሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ዶባተን ክርአ ንዝጸንሐ ጸጥታዊውን ወትሃደራውን ምትፍናን ንምእላይ፣ ካብ ወትሃደራዊ ህላዌ ናጻ ዝኾነ ዞባ ንምኽፋት ይዘራረባ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ብመትከል ከምዝድግፍኦ ዝሓለፈ ሰሙን ስምምዕ ድሕሪ ምኽታመን፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ተወሳኺ ዝርርብ የካይዱ ኣለዉ።

ብሰንበት 30 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ርክብ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ዝምርሑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ምኽፋት ካብ ወትሃደራዊ ህላዌ ናጻ ዝኾነ ዶብ፣ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ነጥብታት’ውን ዘርዚሮም።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣል ማሂ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ጀነራል ገብሪኤል ጆክ ራይክ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምኽፋት እቲ ካብ ወትሃደራዊ ህላዌ ናጻ ዝኾነ ዞባ፣ ንዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ብዝያዳ ዘደልድል’ዩ ክብል ገሊጹ።

ክልቲኤን ሃገራት ዶባተን ካብ ወትሃደራዊ ህላዌ ናጻ ንምግባር ዝሰማምዓ ዘለዋ፣ ካብን ናብን ንዝካየድ ናይ ሰብን ንግድን ናጻ ምንቕስቓስ ንምትብባዕ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0