ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጸጥታ ክተሓባበራ ዘኽእለን ናይ መረዳድኢ ሰነደ ከቲመን

Radio Erena: 22 November 2022

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ምግታእ ዶብ ሰገር ገበናትን ሽበራን ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ናይ መረዳድኢ ሰነድ ከቲመን።

ብጉዳይ ዶብን ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነዚ ሰነድ’ዚ ዝኸተማሉ፣ ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ተመስገን ጥሩነህ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

ንሱ፣ ካብ 18 ክሳብ 20 ሕዳር ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋደል ብምርኻብ፣ ብዶባት ክልቲኤን ሃገራት ክፍጸም ብዛዕባ ዝኽእል ገበናት፣ ብፍላይ ሽበራ ብምትኳር ዘት’ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ስልጠና፣ ምልውዋጥ ተሞክሮ፣ ምውፋር ልፍንታዊ ሓይሊ ኣንጻር ሽበራ፣ ሃድን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንግዲን ደቂሰብን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ገበናትን ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ምርድዳእ በጺሐን ከምዘለዋ ሱዳን ትሪቡን ነቲ ዝተኸተመ ሰነድ ብምውካስ ኣመልኪቱ።

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን፣ ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋዳል ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ 14 ጥቅምቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብልዩተናንት ጀነራል ኢብራሂም ጃብር ዝምራሕ ወኪል ላዕለዋይ ወኪል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ፣ ብ21 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ጀነራል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ኣብ ዝተፈላለየ ክልተኣዊ ጉዳያት ይዝረራብ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሱና ሓቢሩ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0