ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ብዛዕባ ዘሎ ጉዳያት ክዝትያ’የን

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ብዛዕባ ዘሎ ጉዳያት ክዝትያ’የን

Radio Erena: 04 November 2018

ethio_sudan borሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ኣብ ዶባተን ዘሎ ጉዳያት ክዝትያ፣ ኣብዚ ዝመጽእ መዓልታት ክራኸባ ምዃነን ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ዝህቦኦ ዘለዋ ጸብጻብ፣ እቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ክካየድ ዝተወጠነ ርክብ፣ ምድላዋቱ ወዲኡ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፣ ብዑስማን መሓመድ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ሰበስልጣን ዞባ ገዳርፍ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ናብታ ከተማ ክኣቱ ምዃኑ ገሊጸን።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለወን ዝግለጻ ሃገራት እኳ እንተኾና፣ ኣብ ዶባተን ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ናይ መጋሃጫ መሬትን ካልእን ጉዳያት ዜጋታተን ክሰሓሓቡ ጸኒሖም’ዮም።

ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፣ ክልቲኤን ሃገራት ሰራዊተን ካብ ዶብ ክስሕባ፣ ካብ ክልቴን ዝዋጻእ ሰራዊት ከኣ ንዶባተን ክቆጻጸር ኣብ ስምምዕ ምብጸሐን ይዝከር። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዶብ ክንጸር ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብንጥፈት ክዋስኡሉ ምስምመዐን ይፍለጥ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0