ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ምኽፋት ዶባት ሎሚ ክዘራረባ’የን

Radio Erena: 21 July 2022

ወትሃደራውያን መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብዛዕባ እቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተዓጽዩ ዝርከብ ንክልቲኤን ሃገራት ዘራኽብ መስመር ጋላባት-መተማ ክዘራረቡ ምዃኖም ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን፣ ብርጋደር ጀነራል ነቢል ዓብዱላሂ ዓሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ሎሚ 21 ሓምለ ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ዝርርብ፣ ኣብ ጋላባት ዶ ወይስ ኣብ መተማ ይካየድ ኣብ ዝብል ነጥቢ ክሳብ ትማሊ20 ሓምለ ኣብ ምርድዳእ ከምዘይተበጽሐ’ውን ተጠቒሱ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ዓጽዩዎ ዝጸንሐ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ጋላባት- መተማ ክኽፈት፣ ብ17 ሓምለ ከምዝወሰነ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር -ሱና ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይሮቢ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተዘራረበ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ምስ ናይ ጸጥታ ኣካላት እታ ሃገር ድሕሪ ምምኽኻር’ዩ ነቲ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መስመር ዛጊት ዕጽዉ ከምዘሎ ብወገን ኢትዮጵያ ይስማዕ ኣሎ።

ብዛዕባ ምኽፋት ዶብ ብዝምልከት ንምዝርራብ ብወገን ሱዳን ዝቐረበ ጠለብ ምዃኑ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብምግላጽ ዝሓበረ ዘ ሪፖርተር፣ ኢትዮጵያ ኣብ መተማ ክካየድ ከምእትደሊ ኣነጺሩ።

እቲ ዝርርብ ኣብ ጋላባት ክካየድ እትደልዮ ሱዳን፣ ዶብ ክኽፈት እንተኾይኑ ብወገን ሓይልታትን ሚሊሻን ኢትዮጵያ ዝረአ ተደጋጋሚ ተጻብኦታት ደው ክብል ከምዘለዎ ብቐዳምነት እትሰርዖ ነጥቢ ምዃኑ ይግለጽ።

ብሰራዊት ዝተደገፉ ሚሊሻታት ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከምዝፍጽሙ እትወቕስ ሱዳን፣ ነቲ ንክልቲኤን ሃገራት ዘራኽበ መስመር ጋላባት-መተማ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ፣ ተደጋጋሚ እዋን ንሰብን ንብረትን ዕጽው ጌራቶ’ያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ብሱዳን ዝድገፉ ዕጡቓት፣ ነቲ መስመር እናተጠቕሙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጉድኣት ከምዘብጽሑ ይወቅስ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0