ሱዳንን ቀጠርን፣ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ሓድሽ ተበግሶ ክወስዳ ምዃነን ተገሊጹ

ሱዳንን ቀጠርን፣ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ሓድሽ ተበግሶ ክወስዳ ምዃነን ተገሊጹ

Radio Erena : 01 June 2015

Issu Hailu

ሱዳንን ቐጠርን ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቕርራብ ሓድሽ ተበግሶ ይወስዳ ምህላወን ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ኣንፊቶም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ዝሃብዎ መረዳእታ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መሓመድ ቢን ዓብዱላ ኣል ሩማሒ ዝተመርሐ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ሚኒስተር ዴታ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስን ብተናጸል ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጦም።

 

ልኡኽ ቀጠር ብዘይካ’ቲ ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ምስ ዳይረክተር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ቃስም ዋነን ኮሚሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙስጠፋ ሲዲኪ ካሎኮን’ውን ተዘራሪቡ’ዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፣ ካልእ ጉጅለ ዝሓቖፈ ልኡኽ ቀጠር ናብ ኤርትራን ሱዳንን ዑደት ምክያዱ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኣልብሽር ድሕሪ ናይ ስዑዲ ዑደቱ ናብ ቀጠር ብምምራሕ ምስ ኣሚር ቀጠርን ካልኦት ሰበ ስልጣን እቲ ንግስነትን’ውን ዘትዩ’ዩ።

ኣብ ኩሉ’ቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ሰላምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘድሃብ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ ዞባ ከም ዝዓበየ ማሕንቖ ንሰላም ዝጥመት ምትፍናን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍትሑ ሓድሽ ተበግሶ ክውሰድ’ውን ዘትዮም።

ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ብቀጠር፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ኣቐዲሙ ዝተወስደ ተበግሶታት ክዕወት ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

ጽባሕ 2 ሰነ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክርከቡ ትጽቢት ዝግበረሎም መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራቦም ሓሳብ ከምዘሎ ይንገር።

ኣብዚ ናይ ጽባሕ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብዘይካ ወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ወከልቲ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጽ፣ ቻድ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ክርከቡ ምዃኖም መንግስቲ ሱዳን ገሊጹ።

ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ 91 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ዚምባብዌን እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሮበርት ሙጋበ’ውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ክሳተፍ ምዃኑ

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0