ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወፍርን ምኽፋት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ዘትየን

ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወፍርን ምኽፋት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ዘትየን

Radio Erena: 10 February 2015

SuSau

ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወፍርን ምኽፋት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይደን።

ሚኒስተር ወፍሪ ሱዳን ዶክተር ሙስጦፋ ዑስማን እስማዒል ምስ ምክትል ፕረዚደንት ካቢነን ወራስ ዓራትን ስዑዲ ዓረብ ሙግራን ቢን ዓብዱል ዓዚዝ ኣብ ሪያድ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻን ኢንዱስትን ወፍርታት ክትጥቐመሉ ተላብዩ።

ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ፣ መንግስቲ ሱዳን ንሱዕዲ ዓረብ ክፉት ናይ ወፍሪ ዕድላት ምሃቡ ድሕሪ ምምስጋን ስዑዳውያን ሰብ ርእሰ ማል ኣብ ሱዳን ከውፍሩ ከተባብዕ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ነዚ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ክህሉ ዝድለ ዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንምትብባዕ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ መፋርቕ 2015 ተደላዩ ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስተር ወፍሪ ሱዳን ከኣ፣ ዕላማ እቲ ወፍሪ ንእግረ መንገዱ ኣብ ሃገራት ዓረብ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ክሕግዝ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ሚኒስተር ብዘይካ’ዚ’ውን ምስ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ንግዲ ስዑዲ ዓረብ ዓብዱራሕማን ኣል ዛሚል ኣብ ምምስራት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ሱዳን ሽዱሽተ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባታት ንምድላይ ውጥን ከምዘለዋ ክግለጽ እንከሎ ሓደ ካብኡ ከኣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ጎላጉል ዝርከበሉ ምብራቓዊ ሱዳን’ዩ።

ኣብዚ ዞባ’ዚ ድሕሪ መራሒ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢንላደን ዝርከብዎም ሓያሎ ስስስስዑዳውያን ሰብ ርእሰ ማል ኣብ ህርሻ ዘተኮረ ወፍሪ ንምክያድ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ከምዘካይዱ ዝፍለጥ’ዩ።

ስዑዳውያን ሰብ ርእሰ ማል፣ ብዘይካ ኣብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ሕርሻ ሩዝ ዘተኮረ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ’ዩ ዝጥቐስ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 95 ሚእታዊ ሃለኽቲ መግብታት ካብ ወጻኢ’ያ ትሽምቶ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0