ሱዳንን ሕ/ኢ ዓረብን፣ ኣብ ወደብ ሑደይዳ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ተዘራሪበን

ሱዳንን ሕ/ኢ ዓረብን፣ ኣብ ወደብ ሑደይዳ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ተዘራሪበን

Radio Erena: 26 June 2018

UAE Sudan

ሱዳን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሑደይዳ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝተዘራረበት መግለጺ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ መግለጺ፣ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፣ ሚኒስተር ዴ’ታ ሱዳን ሓቲም ሓሰን ባኪት ንኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓማድ መሓመድ ኣል ጁናቢ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም፣ ምዕባለታት ናይቲ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ተመያይጦም።

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ርክብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሱዳን ሆስፒታል፣ ቤት ትምህርቲን መስጊድን ዘጠቓለለ ዘመናዊ ህንጻታት ክትሰርሓላ ስምምዕ ከቲመን።

ሱዳን፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጎኒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተሰለፈ ሰራዊት ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ብስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝምራሕ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ’ታ ናብ ኤርትር ዝቐረበት ወደብ የመን ዝጀመሮ መጥቃዕቲ፣ ከምቲ ዝወጠኖ ክዕወተሉ ከምዘይክኣለ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የመልክቱ።

ዑቑር ሰራዊት ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናብቲ ስርሒት ንኽዋፈሩ ኣብ ወደብ ዓሰብ ከምዝርከቡ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0