ሱዳናውያን ነበርቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ከባቢ ባሲንዳ፣ ብሚሊሻ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ዘሎ ምጭዋይ ዝኹንን ተቓውሞ ኣካይዶም

Radio Erena: 04 February 2021

ኣብ ሱዳን፣ ምብራቓዊ ዞባ ገዳርፍ፣ ነበርቲ ከባቢ ባሲንዳ፣ ኣንጻር እቲ ብሚሊሻ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝበልዎ ምጭዋይ ነጋዶ ዝኾኑ ተወላዶ እቲ ከባቢ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ሱዳናውያን፣ ናብ ኢትዮጵያ ዘስግር ከባቢ ጋላባት ብምዕጋት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብሚሊሻ ኢትዮጵያ ተጨውዮም ንዝበልዎም ሰለስተ ደቂ ዓዶም ክፍትሑ’ዮም ጠሊቦም።

መንግስቲ ሱዳን፣ እቶም ኣብ ምጭዋይን መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባትን ዝተዋፈሩ ሚሊሻታት ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝድገፉ’ዩ ዝወቅስ።

ሱዳን፣ ኣንጻር እዚ መጥቃዕታት ኣብ ዝወሰደቶ ናይ ግብረ መልሲ ስጉምቲ፣ ንዝበዝሐ ክፋል እቲ ን26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝበለቶ ሰፊሕ ከባቢታት ኣልፍሺጋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ኣእትያቶ ኣላ።

ብሱዳን ተጻባኢ ስጉምቲ ተወሲዱ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ስምምዕ ቅድሚ ምቕራቡ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ዝሓዞ መሬት ክስሕብ ይጽውዕ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ከቢድ ወትሃደራዊ ምትፍናን ተፈጢሩ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0