ሱዳናውያን ሓረስቶት፣ መሬትና ብኢትዮጵያውያን ተወሪሩ ይብሉ

ሱዳናውያን ሓረስቶት፣ መሬትና ብኢትዮጵያውያን ተወሪሩ ይብሉ

Radio Erena: 29 May 2017

Gedarf

ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ ከባቢ ኤል ፋሻጋ ዝርከቡ ሱዳናውያን ሓረስቶት፣ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬቶም ብኢትዮጵያውያን ተወርሩ ምህላዉ ገሊጾም።

ማዕከን ዜና ሚድል ኢስት ሞኒተር ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ሓረስታቶ፣ ልዕሊ 202 ሽሕ ሄክታር መሬት ብኢትይጵያውያን ተዘሚቱ ከምዘሎ’ዮም ዘማርሩ።

መንግስታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ 2013 ንደሓር ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ተበግሶ እኳ እንተወሰዱ፣ ዛጊት ዝተመልሰ መሬት ከምዘየለ ነቶም ሓረስቶት ብምውካስ እቲ ማዕከን ዜና የመልክት።

ኣማሓዳሪ ዞባ ገዳርፍ፣ ሙርቓኒ ሳልሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብኢትዮጵያውያን ተወሪሩ ዝጸንሐ፣ ኣብ ኤል ገደይማ ዝርከብ ኣስታት 6 ሽሕ ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬታ፣ ናብ ዋናታቱ፣ ናብ ሱዳናውያን ሓረስቶት ከምዝተመልሰ’ዩ ዝሕብር።

እንተኾነ፣ ኣባላት ባይቶ እቲ ዞባን ሓረስቶትን ነቲ ብኣማሓዳሪ ዞባ ገዳርፍ ዝቐረበ መግለጺ፣ ብምንጻግ፣ እቲ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ዳንነት ክውሰንን፣ ዶባቶም ብንጹር ክምልከትን ሓቲቶም።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ሓረስቶት ክርአ ንዝጸንሐ ምስሕሓብ ንምፍታሕ፣ መንግስታት ሱዳንን ኢትይጵያን ኣብ 2013 ርክባት ኣብ ዝጀመርሉ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኢትዮጵያያን፣ መንግስቲ መሬትና ናብ ሱዳን የሕልፉ ክህብ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ተቓውሞ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0