ሰብ ሞያ ሕክምና ግብጽን ጀርመንን ኣብ መዳይ ጥዕና ኤርትራ ሓገዞም የበርክቱ

Radio Erena: 15 May 2017

Eg Drs

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ዝተበጽሐ ኣብ ሓያሎ ጽላታት ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ፣ ሓካይም ዓይኒ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ ሰሙን ናጻ ኣገልግሎት ከምዝሃቡ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ ያሲር ሓሺም ኣፍሊጡ።

እቶም ኣርባዕተ ሓካይም ዓይኒን ሓደ ድማ ክኢላ መሳርሒታት ሕክምናን ዝርከብዎም ግብጻውያን ካብ 28 ሚያዝያ ክሳብ 7 ግንቦት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን መርመራን መጥባሕትን ዓይኒ ከምዘካየዱ ነቲ ኣምባሳደር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣልባዋባ ሓቢራ።

ሚኒስተር ጥዕና ኤርትራ ወይዘሮ ኣምና ኑርሑሰን ምስቶም ግብጻውያን ሓካይም ኣብ ዝተራኸበትሉ፣ ግብጺ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ኣብ ኤርትራ ዘገልግሉ ሓካይም ምስዳድ ክትቕጽሎ ዘለዋ ተስፋ ከምዝገለጸት እቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ግብጺ፣ ኣብ ሕክምናን ሕርሻን ዝነጥፉ ክኢላታት ናብ ኤርትራ ምልኣኻ ይዝከር።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ብሃመር ፎርም ዝፍለጥ ምትእኽካብ ግብረ ሰናይ ሓካይም ጀርመን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ መወልዳን ዘተክረ ስልጠና ይህብ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፣ ኣስታት 300 ሰብ ክኢላታት መወልዳን ጥራይ ከምዘለውዋ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ እዚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብሃመር ፎርም ዝካየድ ስልጠና ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ሃመር ፎርም ካብ 1995 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ሕክምናዊን ሞያዊ ስልጠናን ዘተኮረ ሓገዝ ኣብ ምብርካት ይርከብ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0