ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

Radio Erena: 04 March 2021

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጻእ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ጸዊዑ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ሓሙስ 4 መጋቢት ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ፣ ንመግለጺ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት፣ ሚሸል ባሸለት ብምድጋፍ’ዩ።

እታ ኮሚሽነር፣ ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ኣልማማ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ናይ ኵናት ገበናት ኣካይዶም ንዝብል ጸብጻባት፣ ብሕቡራት ሃገራት ክጻረ ሓቲታ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0