ሰራዊት ኤርትራ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ኣፈኛ ህወሓት ገሊጹ

Radio Erena: 11 January 2022

ሰራዊት ኤርትራ፣ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ፣ ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

እቲ ብሰንበት 09 ጥሪ ተወሊዑ ዝበሎ ሓድሽ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ጥቃ ሸራሮ፣ ዝርከብ ከባቢታት ስገም ከፎሎን ዓዲ ጸጸርን ምዃኑ እቲ ኣፈኛ ወቒሱ።

ብወገን ደቡብ፣ ናብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ንዝነበረ ሰራዊት መንግስቲን ምሊሻታት ኣምሓራን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ደፊኦም ከምዘውጽኡ ዝገለጹ ሓይልታት ትግራይ፣ ነፈርቲ ውግእን ድሮንን ኢትዮጵያ ሰላማዊ ህዝቢ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት ይቕጽልኦ ምህላወን ኣተሓሳሲቦም።

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህወሓት ነበረ ዝርከብዎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕ ተገዲዱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ነቲ ውሳኔ፣ ምእንቲ ዘተ ንሰላም ክብል ዕረ እናጠዓሞ ከምዝተቐበሎ እኳ እንተገለጸ፣ ደብዳብ ነፈርቲ ግና ደው ከምዘይበለ ብወገን ኢትዮጵያ ይስማዕ።

ኣብይ ኣሕመድ፣ ነዞም ብዝልዓለ ገበን ከሲስዎም ዝነበረ ሰበ ስልጣን ህወሓትን መራሕቲ ውድባት ኦሮሞን ክፈትሕ ዘገደዶ ወገን ይኹን ኣህጉራዊ ኣካል እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ ብድፊኢት ሳልሳይ ኣካል ምዃኑ ግና፣ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘመረቐሉ ኣጋጣሚ ኣተንቢሁ’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ብሃንደበት ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ምስሓቦም፣ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህወሓት ነበር ብሃንደበት ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑን ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ልዕሊ ዝርከቦም መራሕቲ ድማ ዝተመስረተሎም ክሲ ምልዓሉን፣ ክልቲኦም ወገናት ኵናት ደው ኣቢሎማን ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ንኽቐርቡ፣ ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ዝፈጠርኦ ድፍኢት ክኸውን ከምዝኽእል ትንታነታት ይወሃብ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ብዝልዓለ ገበን ክድዓት ሃገር ከሲሱ ኣሲርዎም ዝነበረ ላዕለዎዎት ሰበ ስልጣን ህወሓት ነበር፣ ብሃንደበት ምፍትሑን፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ህወሓተ ተነቢሩ ዝነበረ ክስትታት ምልዓሉን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባትን ኣምሓራ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጆይ ባይደን፣ ኵናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዘተ ዝፍትሓሉን ረዲኤት ናብ ዘድልዮም ድማ ብዘይመሰናኽል ዝበጽሓሉን ነጥብታት ብዝምልከት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ከምዘዘራረቦ ቤት መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0