ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ከምዝሰሓበ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 December 2022

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ከምዝሰሓበ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣብ ከባቢታት ሽረ፣ ኣኽሱምን ዓድዋን ዝጸንሓ ኣሃዱታት ኤርትራ፣ ናብ ከባቢታት ዶብ ከምዝሰሓበ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ሰራዊት ጠቕሊሉ ካብ መላእ ትግራይ ከምዘይወጽአ ግና ኣሚቶም።

ኣብ 2 ሕዳር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ፣ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክዋፈርን፣ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ድማ ክስሕቡን ዝጠልብ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ኣብ ባይታ ንምትግባሩ፣ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ተጻብኦታት ደው ክብልን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩን ኣሎ።

ሓደ ካብ ኣውራ ነጥብታት ናይቲ ስምምዕ፣ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ምስ ምዃኑ፣ ነዚ ንምትግባር፣ ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ኣምሓራን ዓፈርን ካብቲ ክልል ክስሕቡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድፍኢት ይገብር።

ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ’ውን እንተኾነ፣ ኣብቲ ዝተቖጻጸሮ ከባቢታት፣- ቅትለት፣ ዓመጽን ዝምታን ዝኣመሰለ ግፍዕታት ይፍጽም ኣሎ ክብሉ ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ይወቕሱ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ዓሪድሉ ካብ ዝጸንሐ፣ ከባቢታት ኣብ ሰሜናዊ ትግራይ ናይ ዝርከባ ከተማታት ይስሕብ ምህላዉ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ይኹን’ምበር፣ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቕን ምስግጋር ፈደራላዊ ትካላት ናብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝምልከት፣ ኣብ ከተማ ሽረ ዝርርብ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ብሰሉስ 30 ሕዳር ዝጀመረ ዝርርብ፣ ኣብ ትግባረ ወሰንቲ ነጥብታት ናይቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ይዝቲ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ክፍሊ ርክባት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝዛዘመሉ ዕለት ኣይጠቐሰን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0