ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኣኽሩር፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መድሃኔኣለም ዝፈጸሞ ግፋ መዘምራን ዝርከብዎም መንእሰያትን ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 05 September 2022

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ከባቢ ሰገነይቲ፣ ኣብ ኣኽሩር ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መድሃኔኣለም ዝፈጸሞ ጃምላዊ ግፋ መዘምራን ካልኦት መንእሰያትን፣ ኣብ ዲያስፖራ ቁጠዐ ፈጢሩ።

ሰራዊት፣ ነታ ቤተ ክርስትያን ብምኽባብ፣ ኣብ ውሽጣ ንዝነበሩ መንእሰያትን መዘምራን ምስ ኣልባሳቶምን ገፊፉ እናወሰዶም ዘርእሲ ኣሳእል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ኣብ ወጻኢ ኣብ መንጎ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝዓበየ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኣኽሩር ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ግፋ፣ መቐጸልታ ናይቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ገጠራት ዞባ ደቡብ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ግፋታትን ማእሰርቲ ሃለዋት ደቆም ክሕብሩ ዘይክኣሉ ወለደን’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ኣብ ኤርትራ ግፋ ንቡር ተርእዮ ኮይኑ፣ ሰራዊት፣ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ውሻጠአን እናደፈረ ከምዝፍትሽ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ፍርሒን ራዕድን፣ ነቲ ፍጻሜ ብኣሳእል ብምስናድ ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ኣይጸንሐን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0