ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተጎሃሃረ ግጭታት ኣብ ምህዳእ ተዋፊሩ ከምዘሎ ተገሊጹ

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተጎሃሃረ ግጭታት ኣብ ምህዳእ ተዋፊሩ ከምዘሎ ተገሊጹ

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጓሃሂሩ ንዘሎ ግጭታት ኣብ ምህዳእ ተዋፊሩ ከምዘሎ

ንኣፈኛ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ሕብረተሰብ ኦሮሞ ኣብ ዝነበርሉ ክልል ኣምሓራን ሰሜን ሸዋን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ንዝበዝሐ ክፋሉ ከምዝተቖጻጸሮ’ዩ እቲ ሰራዊት ዝገለጽ።

ይኹን’ምበር እቲ ከባቢ ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ጸጸኒሑ ቶዅሲ ይስማዕ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

ኣብ ከተማታት ግጭት ሃዲኡ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ፣ ኣብ ገጠራት ግና ንምቁጽጻሩ ስርሒታት ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ እቲ ከባቢታት ዕጡቕ ብምዃኑ፣ ነቲ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻሩ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዘድሊ’ውን እቲ ኣፈኛ ኣገንዚቡ።

በቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓያሎ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

ኣብ ንብረት፣ውን ከቢድ ዕንወት ወሪዱ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ናይ ለውጢ መድረኽ ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብ ኩሉ ሸነኻት እቲ ሃገር ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ግጭታት ክቆጻጸሮ ኣይከኣለን።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት -ፋይል

COMMENTS

WORDPRESS: 0