ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ንዝጸንሐት ከተማ ኩንቱዋሪ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 16 August 2020

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ትሕቲ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንዝጸንሐት ከተማ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ’ቲ ሰራዊት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተደጊፉ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ደቡባዊ ሸበሌ እትርከብ ኩንቱዋሪ ዝተባህለት ከተማ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።

እታ ከተማ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ከምዝጸንሐት ዝሓበረ’ቲ ኣፈኛ፣ እቲ ጥሩፍ ጉጅለ ሒዙዎም ዝጸንሐ 33 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እውን ናጻ ከምዘውጸአ ኣመልኪቱ።

እቶም ህጻናት ካብ ወለዶም ብሓይሊ ዝተመንዝዑ ኮይኖም፣ ገዛ-ገዛ ተፍትሽ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ከምዝተረኽቡ፣ ኮሎኔል ኢስማዒል ዓብዲ ማሊን ገሊጹ።

ኣብቲ ስርሒት ብኣመሪካ ከምዝሰልጠነ ዝንገረሉ ‘’ዳናብ’’ ዝተባህለ ፍሉይ ኣሃዱ ምስታፉን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉን እቲ ኣፈኛ ይገልጽ።

እንተኾነ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

ነበርቲ’ቲ ከባቢ፣ ኣፍሪቃውያን ዘይኮኑ ወተሃደራት ከምዝረኣዩ፣ ኣልሸባብ ከኣ ካብ ንግሆ ዓርቢ ዕለት 14 ኣትሒዙ ካብታ ከተማ ክስሕብ ከምዝጀመረን ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ሂቦም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0