ሰራዊት ሶማል፣ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ቀቲለ ኢሉ፣ ንካልእ መራሒ ድማ ከምዝማረኸ ሓቢሩ

Radio Erena: 06 June 2022

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ዞባ ባኮል፣ ከተማ ቲየግሎው ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ገሊጹ።

ቴሌቪዥን እታ ሃገር፣ ትማሊ ሰንበት 05 ሰነ፣ ንመግለጺ ሰራዊት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ስርሒት፣ ብሸኽ ኣል ሲማ ዝፍለጥ፣ መሓመድ ኑር ጋል ዝተባህለ፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝተቐትለ ሓቢራ።

ሸኽ ኣል ሲማ፣ ኣብ ዞባ ባኮል፣ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ዝመርሐ ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይወቕስ።

ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ዞባ ባኮል ናይ ሶማል፣ ሓደ ኣብ ኣውራ ደጀናት ኣልሸባብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ብኣመሪካ ዝሰልጠኑ ፍሉያት ሓይልታት ሶማል፣ ሳክራዊ ብዝብል ስም ዝፍለጥ፣ መሓመድ ዓብዲ ሙክታር ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝሓዙ መርበብ ዜና ጋሮወ ሓቢሩ።

እቶም ሓይልታት ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር፣ ኣብ ባሕቲ ሰነ፣ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት፣ ንኣርባዕተ ዓጀብቱ ብምቕታል ንሳክራዊ ክማርኽዎ ከምዝኸኣሉ ንጸብጻብ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብምጥቃስ ጋሮወ ኣቃሊሑ።

ኣመሪካ፣ ብዓርቢ 3 ሰነ፣ ኣብ ኪስማዮ፣ ቢር ሓኒ ኣብ ዝተባህለ ከበቢ ብዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ብውሕዱ ሓሙሽተ ዕጡቓት ናይቲ ሽበራዊ ምዃኑ ዝግለጽ ኣልሸባብ ምቕታላ ‘ውን ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ብመንገዲ ትዊተር ጠቒሱ።

ኣመሪካ፣ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ተካይድ ዘላ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ካብ ዝምረጽን ሰራዊታ ድማ ናብታ ሃገር ክትልእኽ ምዃና ካብ እትገልጽን፣ ንፈለማ እዋን’ዩ።

ስእሊ፣- ተማሪኹ ዝተባህለ ሳክራዊ ካብ ጋረወ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0