ሰራሕተኛ ትዊተር ነበር፣ ብስዑዲ ዓረብ ተቖጺሩ ክስሊ ምጽንሑ ተቃሊዑ

Radio Erena: 11 August 2022

ናይ ሊባኖስን ኣመሪካን ዜግነት ዘለዎ፣ ኣሕመድ ኣቡዓሞ ዝተባህለ ሰራሕተኛ ትዊተር ነበር፣ ብስዑዲ ዓረብ ተቖጺሩ ኣብ ስለያ ክነጥፍ ምጽንሑ ተገሊጹ።

እቲ ወዲ 44 ዓመት ሰራሕትኛ ትዊተር ነበር፣ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ቦታ ተጠቒሙ፣ ዝርዝር መንነት ብስዑዲ ዓረብ ዝድለዩ ሰባት ናብ ክፍሊ ስለያ ስዑዲ ዓረብ ክልእኽ ከምዝጸንሐ’ዩ ተኸሲሱ።

ንሱ፣ ንሜድያ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ዝከታተል ኣሃዱ ትዊተር ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፣ ብሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ጸጥታ፣ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ዝኾነ፣ ባድር ኣል ዓስከር ዝተባህለ ስዑዳዊ ተቖጺሩ፣ ክስሊ ምጽንሑ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ካሊፎርንያ ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ።

ኣብ ሕዳር 2014፣ ባድር ኣል ዓስከር ዝርከቦም ስዑዳውያን፣ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ናብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ትዊተር ከብጽሑ ብዝሓተትዎ መሰረት፣ ኣሕመድ ነቲ ዑደት ከምዘዳለወሎም ዝጠቐሰ ጸብጻብ እቲ ቤት ፍርዲ፣ ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ፣ እቲ ናይ ስለያ ስራሕ ከምዝጀመሮ ኣመልኪቱ።

ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝህደኑ ተቕወምቲ ይኹኑ ካልኦት ሰባት፣ ናይ ትዊተር ሕሳቦም ሰርሲሩ፣ ቅሉዕ መንነቶም፣ ዝነብሩ ኣድራሻን ካልእ ዘድሊ ዝርዝራትን ከመሓላልፍ ጸኒሑ።

ከም ሞሳ ካብ ባድር ኣል ዓስከር፣ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ 20 ሽሕ ዶላር ዝዋጋኣ ሰዓት ክህቦ እንከሎ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ኣብ ሊባኖስ ብስም ኣቡኡ ናብ ዝተኸፍተ ናይ ባንክ ሕሳቡ ብድምር300 ሽሕ ዶላር ኣሰጋጊርሉ።

ኣሕመድ፣ መንነትን ሓበሬታን ተጠቐምቲ ካብ ትዊተር ሰሪቑ ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሃበሉ ፈላሚት ወርሒ ናይ 2014፣ 100 ሽሕ ዶላር ክሰጋገርሉ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ 200 ሽሕ ድማ ካብቲ ትካል ኣብ 2015 ምስ ተፋነወ’ዩ ተሰጋጊርሉ።

ቀሪብሉ ብዘሎ ክሲ ስለያ ድሮ ገበነኛ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ኣሕመድ፣ ምስ ካልእ ናይ ስለያ መሓውራት ‘ውን ርክብ ኔርዎ ከይከውን መርመራን ምጽራይን ክካየደሉ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0