ሰራሕተኛታት ብመንግስቲ ናይ ዝውነና ራድዮን ቴሌቪዥንን ሱዳን፣ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክካየድ ጸዊዖም

Radio Erena: 07 April 2023

ሰራሕተኛታት ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን ራድዮን ቴሌቪዥንን ሱዳን፣ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክካየድ ከምዝጸውዑ ራድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

እቲ ካብ ኤውሮጳ እትፍኖ ራድዮ ኣብ ጸብጻባ፣ እቲ ብሒደት ሰራሕተኛታት፣ ብ05 ሚያዝያ ዝተበግሰ ኣድማ፣ ምሕደራ፣ ወሰኽ ደሞዝን ካልእ ጠለባትን ከምዘቕረቡ ጠቒሳ።

ብፍላይ ምሕደራ ብመንግስቲ ዝውነን ራድዮን ቴሌቪዥንን፣ ናብ ሃገራዊ ትካል ክሰጋገረ ዝጸውዐ እቲ ኣድማ፣ ካልኦት ኣባላት ‘ውን ክጽንበርዎ ሓቲቱ።

ራድዮን ቴሌቪዥን ሱዳን፣ ነዚ ዝሓለፈ 19 ዓመታት ዋንነቱ ናይ መንግስቲ’ዩ ክብሉ ዝጠቐሱ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኣብ ዞባ ካዲጉሊ (Kadugli ) ዝርከብ በዓል መዚ፣ እቲ ናይ ሜድያ ትካል ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ንኽምለስ ነቲ ናይ ኣድማ ጻውዒት ከምዝጽንበርዎ ኣፍሊጦም።

ኣባል ናይታ ነቲ ኣድማ ጻውዒት እተዋሃሃድ ዘላ ኮሚተ፣ እስማዒል በኺት፣ ንዘቕረብዎ ጠለባት ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ።

ካልእ ኣባል ናይታ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ብወገኑ፣ ኣስታት 70% ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሜድያ መንግስቲ፣ ነቲ ጻውዒት ከምዝድግፍዎ ነታ ራድዮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0