ሰለስተ ኣባላት ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ትግራይ ተቐቲሎም

Radio Erena: 27 June 2021

ኣህጉራዊ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣባላቱ፣ ‘ኣዝዩ ዘሰምብድ’ ብምባል ዝተሰመዖ ጓሂ ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ስጳኛዊት ማሪያ ሀርናንደዝ፣ ኢትዮጵያውያን ዮሃንስ ሓለፎምን ተድሮስ ገብረማርያምን ዝተባህሉ ኣባላቱ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ረዲኤታዊ ንጥፈታት እንከለዉ ብምቕታሎም፣ ዝተሰመዖ ጓሂ ብቃላት ክገልጾ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።

እቶም ሰለስተ ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል፣ ሓደ መዓልቲ ደሃይ ድሕሪ ምጥፎኦም፣ መኪናኦም ተዘሚታ፣ ሬሳታቶም ከኣ ካብታ መኪና ሒደት ሜትሮታት ርሒቑ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ።

ሓካይም ብዘይዶብ ምሉእ መርመራ’ቲ ፍጻሜ ሓቲቱ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሞት እቶም ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝተሰመዖ ሓዘን ብመንገዲ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ ገሊጹ።

ብሞት’ዞም ኣብ ዓቢ ዓዲ ብግፍዒ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከኣ ‘ወያነ’ እዩ ተሓታቲ ክብል ከሲሱ።

እንተኾነ ዝበዝሐ ክፋል ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ንጋዜጠኛታት ክፉት ብዘይምዃኑ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጹ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ንዝተወሰና ትካላት ረዲኤት ናብ ዝተወሰነ ከባቢታት ጥራይ ክንቀሳቐሳ ፈቒዱ እኳ እንተሎ፣ ሓለዋን ምክትታልን ክግበረለን ጸቕጥታት ይፈጥር ምህላዉ እዩ ዝውቀስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0