ርዋንዳ፣ ፕረዚደንት ካጋመ፣ ንወዱ ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ዓጀብቱ ክኸውን መዚዝዎ

Radio Erena: 20 January 2023

ፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ፓል ካጋመ፣ ኢያን ካጋመ ንዝተባህለ ወዱ፣ ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ዓጀብቱ ክኸውን ከምዝመዘዞ ተሓቢሩ።

ናይ ምክትል ተለንቲ ማዕረግ ዘለዎ ኢያን፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንትን ስድራቤቱን ኣብ ዝተዋፈረት ፍልይቲ ኣሃዱ ክስልጥን ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብቲ ጽፍሒ ተጸንቢሩ።

ፕረዚደንት ካጋመ፣ ብ15 ጥሪ፣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ቁርሲ ዕድመ ኣብ ዝተረኽበሉ፣ ወዱ ዓጂብዎ ክኣቱ ንመጀመርያ ግዜ ብወግዒ ከምዝተራእየ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ንርዋንዳ ካብ 1994 ኣትሒዙ ን29 ዓመታት ዝምርሐ ፕረዚደንት ካጋመ፣ ንወዱ ናብታ ፍልይቲ ኣሃዱ ዝምድቦ ዘሎ፣ ከም መተካእትኡ ንኽኩስኩሶ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ርእይቶታቶም ይህቡ።

‘ካጋመ፣ ኣሰር ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ‘ዩ ዝኽተል ዘሎ’ ዝበሉ እቶም ወገናት፣ ነታ ሃገር ን37 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ሙሁዞ ካይነርጉባ ንዝተባህለ ወዱ፣ ፈለማ ከም ተራ ኣባል ኣብ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ዝተዋፈረት ፍልይቲ ኣሃዱ ከምዝመዘዞ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣብኡ ክትክእ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ፣ ሙሁዞ ካይነሩጉባ፣ ኣብ ሓጺር እዋን፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ ተዋሂብዎ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ’ዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስልጣኖም ንምዕቃብ፣- ደቆም፣ ኣሕዋቶም፣ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም፣ ደቂ ዓዶም፣ ደቂ ብሄሮምን ኣውራጅኦምን ከም ዓጀብቶምን ሰበ ስልጣን ወሰንቲ ጽፍሕታትን ክምድብዎም ልሙድ ተርእዮ ናይዛ ኣህጉር’ዩ።

ኣብ ስልጣን ብዝጸንሕዎ ንውሓት ዓመታት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያን ባሳጎ፣ ብ43 ዓመታት ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፣ ፕረዚደታት ካሜሮን፣ ኡጋንዳን ኤርትራን ድማ ብልዕሊ 30 ዓመታት፣ ካብቶም ዝገደሙን ዝኣረጉን መራሕቲ’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ፣ ወዲ 80 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ባሳጎ፣ ንቦኽሪ ወዱ፣ ምክትል ፕረዚደንት ክምዝዞ እንከሎ፣ ካልኦት ደቁ፣ ኣሕዋቱን ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ድማ ንወሰንቲ ስልጣናት እታ ሃገር ኣማሕሲሕዎም ምህላዉ ናይ ቀረባ ኣብነት’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0