ርዋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ንዝሰጋገሩ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል፣ ዝተኸፍለቶ 120 ሚልዮን ፓውንድ ክትመልስ ከምዘይትኽእል ኣንፊታ

Radio Erena: 26 July 2022

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ንዝሰጋገሩ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምቕባል፣ ኣቐዲሙ ዝተኸፍሎ ኣስታት 120 ሚልዮን ፓውንድ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት የውዕሎ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣፈኛ እቲ መንግስቲ፣ ዮላንደ ማኮሎ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፣ ብመሰረት እቲ ምስ ብሪጣንያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ እቲ ምወላ ኣቐዲሙ ናብ ርዋንዳ ከምዝተሰጋገረ ብምሕባር፣ ገለ ክፋሉ ንዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ ዘድሊ ፕሮጀክታት ከምዝወዓለ ኣረጋጊጻ።

ርዋንዳ፣ ነቲ ገንዘብ ናብ ብሪጣንያ ክትመልሶ ትኽእል እንተኾይና ተሓቲታ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ ድማ፣ ገለ ክፋል እቲ ገንዘብ ድሮ ኣብ ስራሕ ውዒሉ’ዩ ክትብል፣ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ከምዘየለ ኣንፊታ።

ብወገን ብሪጣንያ፣ ብዛዕባ ተኽእሎ ምምላስ እቲ ገንዘብ ዝለዓል ዘሎ፣ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝተወጠነ መደብ ክዕወት ከምዘይክእል ኣብ ዝተጋህደሉ እዋን’ዩ።

ርዋንዳ ምስ ብሪጣንያ ብዝኣተወቶ ስምምዕ፣ ልዕሊ 1000 ሓተቲ ዑቕባ ክትቕብል መዲባ እኳ እንተነበረት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ካብ 200 ንላዕሊ ናይ ምቕባል ዓቕሚ ከምዘይብላ’ያ ኣመልኪታ።

ብሪጣንያ፣ ኣሰር እስራኤል ብምስዓብ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ተበጊሳ እኳ እንተነበረት፣ ክኢላታት ሕጊ፣ ተጣበቕቲን ፖለቲከኛታትን ብዝገበርዎ ተቓውሞን ጻዕሪን፣ እቲ መደብ ኣብ ውዱእ ሰዓታት ክሰጋገር ተገዲዱ።

እታ ሃገር፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር መደብ ድሕሪ ምውጣና’ውን እንተኾነ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ክጎድል ኣይተራእየን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0