ርዋንዳ፣ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ናብ ዝተጎሃሃረ ኵናት ሰራዊት ልኢኻ

Radio Erena: 23 December 2020

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተጎሃሃረ ኵናት፣ ሰራዊት ልኢኹ።

ርዋንዳ ናብታ ሃገር ሰራዊታ ትልእኽ ዘላ፣ ድሮ ንሓያሎ ከተማታት ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ናብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ኣብ ዝግስግስሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

እቶም ዕጡቓት ኣብ 2016 ብምርጫ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር፣ ፍራንሱዋ ቦዚዝ ከምዝምርሑ መንግስቲ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ይወቅስ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ኣቐዲሙ’ውን ብሚሊሻታቱ ተሓጊዙ ወትህደራዊ ዕልዋ ከካይድ ሓሲቡ ተባሂሉ’ዩ ዝኽሰስ።

ኣስታት 4 ሚልዮምን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዝተቓረበትሉ’ዩ እቲ ግጭት ተጎሃሂሩ።

ሩስያንን ርዋንዳን፣ ነቲ ቅድሚ ሰለሰተ ዓመታት ብምርጫ ናብ ስልጣን ዝመጸ፣ ፕረዚደንት ፎስታ ኣርሻንዥ ቱዋደራ ንምሕጋዝ ሰራዊተን ከምዝልኣኻ ኣረጋጊጸን’የን።

ይኹን’ምበር ብዝሒ ናይቲ ዝልኣኽኦ ሰራዊትን ዝዓጠቖ ኣጽዋርን ብዝርዝር ኣይተፈልጠን።

እዚ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኮንጎ ተጎሃሂሩ ዘሎ ጎንጺ፣ ነቲ ድሮ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ ጸጥታ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ዝበኣሰ ከዕርጎ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ይቐርብ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0