ርዋንዳ፣ ተቓወምቲ ኮንጎ ትድግፍ ኣላ ክብል ፕረዚደንት እታ ሃገር ወቒሱ

Radio Erena: 22 September 2022

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ኣብ ደሞክራስያዊር ሪፖብሊክ ኮንጎ ግጭታ ንዘካይዱ ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ይድግፍ ኣሎ ክብል፣ ፕረዚደንት ፈሊክስ ትሽኪዲ ወቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝተኻየደ ፈተነትታ መስርሕ ሰላም ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ክዕወት ኣይከኣለን ብምባል’ዩ ንርዋንዳ ጠቒሱዋ።

ዘካይዶ ዘሎ ዘለኹ ጻዕርታት ሰላም፣ ብሰንኪ ተጻባኢ ተግባራት ጎረባብትና ክሰምር ኣይከኣለን ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ በዞም ጎረባብቲ ዝሕገዙ ዕጡቓት፣ ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ዕንወት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ርዋንዳ ብዛዕባ እዚ ብፕረዚደንት ኮንጎ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ወቐሳ፣ ወግዓዊ ምላሽ ክህበሉ ትጽቢት ኣሎ።

ንደሞክራስያዊት ሪፕብሊክ ኮንጎ፣ ርዋንዳ፣ ብሩንዲን ኡጋንዳን ዘዋሰነ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት፣ ብሰንኪ ምትሕግጋዝ ዕጡቓት ሓድሕድ፣ ናብ ግጭት ከይኣቱ ተንተንቲ ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።

ኡጋንዳ፣ ካብ ኮንጎ ዝተበገሱ’ዮም ንዝበለቶም ዕጡቓት ንምህዳን ዶብ ሰጊራ ወትሃደራዊ ስርሒታት ከተካይድ እንከላ፣ ርዋንዳ ብወገና ኣንጻር መንግስቲ ንዝዓጠቑ ተቓወምቲ ኮንጎ ብወገን ሰሜንን ደቡብን ኪቪ ብፍላይ ኣብ ጎማ ከምእትድግፍ ይጥቀስ።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0