ርዋንዳ፣ ምስግጋር ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ይቕጽል

Radio Erena: 27 November 2019

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋሮም መስርሕ ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት፣ ብ24 ሕዳር፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 116 ስደተኛታት ናብቲ፣ ካብ ከተማ ኪጋሊ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ግዝያያዊ መጽንሒ ጋሾራ ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

ምስ ምምላስ እዞም ስደተኛታት፣ መዓስከር ጋሾራ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ዝርከብዎም ኣስታት 300 ሰባት ክሕዝ’ዩ።

እቶም ኣስታት 100 ካብኣቶም፣ ብዘይኣላዩ ዝተሰዱ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

ሕብረት ኤውሮጳን ኖርወይን በብወገኖ፣ ነቲ ኣብ ርዋንዳ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ዝውዕል ኣስታት 15 ሚልዮን ዶላር ምሕጋዘን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተቓሊሑ’ዩ።

ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ፣ ካብ ሊብያ ዝምለሱ ኣስታት 500 ስደተኛታት ንኽሕዝ’ዩ ዝህነጽ ዘሎ።

ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ፣ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ንምቕባል ድልውቲ ምዃና’ያ ትገልጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0