ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ

Radio Erena: 10 January 2019

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶማል እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ።

ብሰሉስ 8 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ፣ 20 ሕጹያት ንውድድር ዝቐረብሉ ምርጫ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ሚኒስተር ውጥን ነበር ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒ፣ 66 መናብር ካብ ዘለዎ ኣባላት ባይቶ ፣ 35 ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ’ዩ ተዓዊቱ።

ሚኒስተር ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን እታ ርእሰ ምምሕዳር 31 ናይ ደገፍ ድምጺ ክረክብ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ነበር ዓብድወሊ ዓሊ ጋስ ግና ናብ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ከይሰገረ’ዩ ተገሊፉ።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒ፣ ኣብ 2017 ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝተኻየደ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዝተዓወተሉ ምርጫ’ውን ተወዳዲሩ ኔሩ’ዩ።

ፑንትላንድ፣ ካብ 1998 ኣትሒዛ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ እኳ እንተላ፣ ኣህጉራዊ ደገፍ ብዘይምርካባ፣ ብዝበዝሑ መንግስታት ዓለም ከም ኣካል ሉኣላዊ ሶማል’ያ ትፍለጥ።

ኣብዛ ዝሓሸ ጸጥታዊ ርግኣት ዘለዋ ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብስሩዕ እዩ ይካየድ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0