ራይላ ኦዲንጋ ን26 ጥቅምቲ ኣብ ዝድገም ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

ራይላ ኦዲንጋ ን26 ጥቅምቲ ኣብ ዝድገም ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 12 October 2017

odingaቀንዲ መወዳድርቲ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ፣ ን26 ጥቅምቲ ኣብ ዝድገም ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ምርጫ ዝስሕብ ዘሎ፣ ኣባላት ቦርድ ምርጫ ስለዘይተቐየሩ፣ ኣብ መስርሕ ምርጫ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ዝፍለ ነገረ ኣይክልህልዎን’ዩ ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

 

ዋላ’ኳ እቲ ቀንዲ መተሃላልኽቲ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝኾነን ክዕወት ትጽቢት ዝንበረሉን ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ዝካየድ ምርጫ እንተሰሓበ፣ ካልኦት ተወዳደርቲ ፖለቲከኛታት ክሳተፉ ከምዝኽእሉን እቲ መስርሕ ምርጫ ክካየድ ምዃኑን ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣነጺሩ።

ኣብ 8 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝተዓወተ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ እኳ እንሓበረ፣ ኣርባዕተ ካብ ሽዱሽተ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ብዝሃብዎ ድምጺ ግና እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ መስርሕ’ዩ ተኸቲሉ ብምባል ንውጽኢቱ ከምዝሰረዞ ይዝከር።

ብመሰረት ውሳኔ እቲ ቤት ፍርዲ ከኣ፣ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ እቲ ምርጫ ኣብ 7 ጥቅምቲ ክድገም እኳ እተኣመመ፣ ራይላ ኦዲንጋ ብዘቕረቦ ጠለብ መሰረት ግና እቲ ምርጫ ናብ 26 ጥቅምቲ ከምዝተሰጋገረ ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ 8 ነሓሰ ምርጫ፣ 54 ሚእታዊት ናይ ድምጺ ብልጫ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ዝተነግረሉ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ንውሳኔ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እኳ እንተነቐፎ፣ ንሕጊ ሃገር ንምእዛዝ ግና ነቲ ውሳኔ ብኣኽብሮት ከምዝተቀበሎ’ዩ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ዝኸውን ዘሎ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ መስርሕ ምህናጽ ደሞክራሲ ዓቢ ለውጢ ምዃኑ ተንተንቲ ኣድናቖቶም ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0