ሩዋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ትዳሎ ምህላዋ ተሓቢሩ

Radio Erena: 20 April 2022

ሩዋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ንዝምለሱ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ተሓቢሩ።

መርበብ ሓበሬታ ሞኒተር ካብ ካምፓላ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳ፣ ቪንሰንት ቢሩታ፣ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና፣ ካብ ብሪጣንያ ዝምለሱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ገበናት ናጻ ምዃኖም ቅድመ ምጽራይ ክካየድ’ዩ።

መንግስቲ ሩዋንዳ፣ ብመንገዲ መትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም ብባሕሪ ዝኣተዉ’ሞ ንዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ስደተኛታት ንምቕባል ሆቴላትን ካልእ ማእከላትን የዳሉ ከምዘሎ’ዩ እቲ መርበብ ዜና ኣቃሊሑ።

መብዛሕትኦም ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ዝተሓበረ፣ ካብ እስራኤልን ሊብያን ዝተመልሱ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክትቅበል ዝጸንሐት ሩዋንዳ፣ ብግቡእ ከተተኣናግዶም ከምዘይክኣለት’ያ ትውቀስ።

ብፍላይ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተመልሱ ኤርትራውያን፣ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ሰነድን ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ መስርሕን፣ ኣብ ጎደናታት እያ ፈንያቶም።

ደይሊ ሞኒተር ብዘቕረቦ ጸብጻብ ብወገኑ፣ ካብ 2014 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስታት 4 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ክምለሱ እንከለዉ፣ ዝተኣትወሎም መብጽዓታት ስለዘይተተግበረ ዳርጋ ኩሎም ከም እንደገና ናብ ዩጋንዳ ብምስጋር፣ ብሊብያን ካልኦት ሃገራትን ኣቢሎም ጉዕዞ ስደቶም ናብ ኤውሮጳ ከምዘናውሑ ኣረዲኡ።

መንግስቲ ሩዋንዳ፣ ኣምሳያ ናይቲ ምስ እስራኤል ዝገበሮ ምስጢራዊ ስምምዕ፣ ወተሃደራዊን ፊናንስያዊን ሓገዛት ከምተገብረሉ ‘ዩ ዝጥቀስ።

ኣብዚ ምስ ብሪጣንያ ኣትይዎ ዘሎ ተመሳሳሊ ስምምዕ ድማ፣ ብወግዒ ዝተሓበረ ኣስታት 160 ሚልዮን ዶላር፣ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክግበረሉ’ዩ።

ሩዋንዳ ብወገና ኣምሳያ ናይቲ ዝወዋሃባ ገንዘብ፣ ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክትቕበል ምዃና ኣይተነጸረን።

ብሪጣንያን ርዋንዳን ተሰማሚዐናሉ ዘለዋ ጉዳይ ምምላስ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ኣህጉራዊ ሕጋጋትን መሰልን ስደተኛታት ዝጥሕስ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይውቀስ።

ብዙሓት ዜጋታቱ ግዳያት እዚ ናይ ብሪጣንያን ርዋንዳን ስምምዕ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝግለጽ መንግስቲ ኤርትራ’ውን፣ ‘ዘሕንኽ ውጥን ምግዓዝ ስደተኛታት’ ክብል ብ18 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተቓውምኡ ኣስሚዑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0