ሩስያ፣ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያዱ ምድላዋት ጀሚራ

Radio Erena: 09 February 2022

ሩስያ፣ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ወርሓት ጥቅምቲን ሕዳርን 2022፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያዱ ምድላዋት ጀሚራ።

ፍሉይ ወኪል ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፣ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን፣ ሚኻኤል ቦግዳኖቭ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ንግድን ቁጠባን ዘተኮረ ዋዕላ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ናይዛ ኣህጉር ኣብ ምዝርራብ ይርከብ።

እቲ ወኪል፣ ዛጊት ምስ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሊብያን ካልኦት ሃገራት ናይዛ ኣህጉርን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ ኣሎ።

ኣብ መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ወኪል ፕረዚደንት ሩስያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣኼባ ምስ ዝመጹ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣኼባ፣ ኣብ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን’ውን ከምዝተመያየጠ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ገሊጹ።

ኣብ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ከተማ ሶቺ ኣብ ዝተጋብአ ቀዳማይ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ጸዓት፣ ዕደናን ወትሃደራዊን ጽላታት ብዛዕባ ክግበር ዝኽእል መደባት ‘ዩ ኣተኵሩ።

ድሕሪ’ቲ ዋዕላ ድማ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ሩስያ፣ ኣጽዋር ኽሽምታን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዛት ከተግብራን ተራእየን።

ሩስያ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽልዋታት ንምምላስ ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት፣ ብፍላይ ዞባታት ቀይሕ ባሕሪን፣ ገማግም ማእከላይ ባሕርን ዝልዓለ ኣተኩሮ ሂባቶ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን፣ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ እተቛምት ዘላ ሩስያ፣ ኣብ ሊብያ ብዘዋፈረቶ ሓይሊ ኣቢላ ድማ ቀዋሚ ህላዌኣ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ንምርግጋጽ ትጽዕር ከምዘላ ተንተንቲ የረድኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0