ሩስያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት መደብ ከምዘለዋ ተቓሊዑ

Radio Erena: 09 August 2020
ሩስያ፣ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት መደብ ከምዘለዋ ሚስጢራውያን ሰነዳት ኣመልኪቶም።
‘ቢልድ’ ሓደ ካብ ህቡባት ማዕከናት ዜና ጀርመን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ ሩስያ፣ ‘ኣፍሪካ ስትራተጂ’ ኢላ ኣብ ዝሰመየቶ ሓድሽ ወፍሪ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ማዳጋስካር፣ ሞዛምቢክን ሱዳንን ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትከፍት ዘኽእላ ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዝኸተመት ኣፍሊጡ።
እቲ ካብ ሰበስልጣን ሩስያ ልሒኹ ዝወጸ ሓበሬታ ተባሂሉ ኣብቲ ማዕከን ዜና ተጠቒሱ ዘሎ መግለጺ፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ ሩስያ፣ ምስ 21 ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክትገብር ስምምዕ ከምዝኸተመት ኣቃሊዑ።
180 ወተሃደራውያን ዓለምቲ ሩስያ ድሮ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከምዝተዋፈሩ ከም ኣብነት ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ወተሃደራት ማሊ ኣብ ሩስያ ይስልጥኑ ከምዘለዉ እውን ገሊጹ።
መንግስቲ ሩስያ ካብ ቀጥታዊ ተሓታትነት ንምህዳም፣ ከም ዋግነር ግሩፕ ዝተባህሉ ናይ ውልቂ ትካላት ጸጥታ ኣቢሉ፣ ኣፍሪቃውያን ውልቀመለኽቲ ኣብ ስልጣኖም ክቕጽሉ ውሕስነት ኣብ ምሃብ ከምዝዋፈር፣ ክስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝሽምቶኦ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፣ 9% ካብ ቻይና፣ 14% ካብ ፈረንሳ፣ 16% ካብ ኣመሪካ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝበዝሐ፣ ካብ ሩስያ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጓረት ኣጽዋር ክሳብ 37.6% ይበጽሕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0