ሩስያ፣ ሓድሽ ስትራቴጂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ሩስያ፣ ሓድሽ ስትራቴጂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

Radio Erena: 25 August, 2014

Sergie

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ወግዓዊ ዑደት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለመርያም ደሳለኝን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን፣ ብምዝርራብ፣ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ስምምዕ ክኽትም ትጽቢት ከምዘሎ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

 

ሩስያ፣ ኣቐዲማ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፈር፣ ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ነዳዲ ዘተኮረ ውዕል ከምዝኸተመት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ርእሲ’ዩ’ውን ኣብ ጸዓትን ዕደናን ዘተኮረ ሓያሎ ውዕላት ንምኽታም ውጥን ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ሪፖረትር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 30 ዝኾና ኩባንያታት ሩስያ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ወፍሪ ኣብ ምክያድ ይርከባ።

እዚ ናይ መንግስቲ ሩስያ ተበግሶ፣ ነታ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ምትእትታው ዝነበራ ሩስያ፣ ነቲ ብቻይናን ሃገራት ምዕራብን ተባሒቱ ዝርከብ ወፍሪ ዕደና፣ ንግዲ፣ ቁጠባን ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግም ትምለሶ ምህላዋ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ’ውን ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጽዎ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ’ውን ሓድሽ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ስርሑ ካብ ዝጅመር ሰሙን ኣብ ዘይመልኣሉ ግዜ’ዩ።

ሩስያ ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ’ውን ኣብ ዕደናን ካልእ ወትሃደራዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ስምምዓት ከምዘካየደት ዝዝከር’ዩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ናብ ሩስያ ዑደት ብምክያድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዝርርብ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ብጉዳይ ዩክሬን፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ፖለቲካዊ ቁርቁስ እትርከብ ሩስያ፣ ብዘይካ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጅቡትን ሱዳንን’ውን ተመሳሳሊ ውዕላት ንምክያድ መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

መብዛሕቱ ወትሃደራዊ ንዋት እዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይሊ ኣየርን፣ ካብ ሩስያ ዝተሸመተ ምስ ምዃኑ’ውን፣ ወትሃደራዊ ሓይለን ንምድልዳል ኣብ ዝደልያሉ እዋን፣ እቲ ምስሩስያ ዘለወን ርክብ ከሐድሳ’የን ዝርኣያ።

ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ፣ ካብ ሩስያ ብልቓሕ ዝሸመተቱ ኣጽዋር፣ ቢልዮናት ዶላራት ዕዳ ዝጸንሓ ክኸውን እከሎ፣ ኤርትራ’ውን ኣብቲ ዳግም ስም ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት፣ ሚግ 29ን ሱ ኸይ 27ን ዝዓይነተን ዘመናውይን ነፈርቲ ኵናትን ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላትን ካብ ሩስያ ከምዝዓደገትን’ዩ ዝግለጽ።

ሩስያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ነተን ገና ካብ ውግእን ወረ ውጋን ዘየዕረፋ ሃገራት፣ ብመልክዕ ወፍሪ ኣብ ዕደናን ጸዓትን ምሕዝነታ ኣብ ምድልዳል ትርከብ።
==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0