ሞት ክልተ ኣብረርቲ፣ ኣብ ኣባላት ሓይኢ ኣየር ኤርትራ ስንባደን ቁጠዐን ፈጢሩ

ሞት ክልተ ኣብረርቲ፣ ኣብ ኣባላት ሓይኢ ኣየር ኤርትራ ስንባደን ቁጠዐን ፈጢሩ

Radio Erena: 04 October 2017

Mig 29

ሞት ናይቶም ኣብ ልምምድ እንከለዉ ሓደጋ ነፋሪት ዘጋጠሞም ክልተ ኣብረርቲ፣ ኣብ ኣባላት ሓይኢ ኣየር ኤርትራ ስንባደን ቁጠዐን ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት፣ “ሰኣን ግቡእ ምሕደራን ብቑዕ ኣተኣላልያን መስርሕ ስልጠና ኣብረርትን ቴክንሻናትን እቲ ሓይሊ ኣየር ዘጋጠመ’ዮ” ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ብሰንኪ’ዚ ንዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ጸገማት ተደጋጋሚ ህወይት ኣብረርቲ ክጠፍእ ይርአ ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ 25 መስከረም፣ ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኣብ ከባቢ ባልዋ፣ ዞባ ዓንሰባ ብምውዳቓ፣ ካፕቴን ዮናስን ካፕቴን ኤደንን ዝተባህሉ ክልተ ምኩራት ኣብረርቲ እቲ ሓይሊ ኣየር ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣብቲ ዕለት ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይፍለጥ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ምልኪ ጥራይ ዝተመርኮሰ ምሕደራ ሓይሊ ኣየር፣ ኣብረርትን ቴክኒሻናትን እቲ ሓይሊ ኣየር ናብ ስልጠና ኣብ ዝተላእክሉ ሃገር ዑቕባ ንምሕታት ክተርፉን፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙን ክርኣዩ ጸኒሖም’ዮም።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብዘንበሮ እገዳ፣ እቲ መንግስቲ መቀያየሪ ኣቕሑ ነፈርቲ ይኹን ካልእ ንብረታት ሓይሊ ኣየር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ይሽምት ምህላዉ ይንገር።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0