ሞቛድሾ፣ ዝኸበደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 270 ሰባት ቀቲሉ

ሞቛድሾ፣ ዝኸበደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 270 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 16 October 2017

Somalia

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 270 ሰባት ተቐቲሎም።

እዚ ኣስታት 200 ሰባት’ውን ኣቑሲሉ ዘሎ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ነታጕ ብምጽዋድ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብታ ሃገር ክካየድ ካብ ዝጸንሑ መጥቃዕታት እቲ ዝኸበደ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብ ማእከል ሞቋድሾ ዝርከብ ሆስፒታል ብግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣዕለቕሊቑ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ደም ክልግስ ሓካምይ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፎርማጆ ዝርከብዎም ኣማኢት ሶማላውያን፣ ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ወገናቶም ንምርድእ ደም ክልግሱ ተራእዮም።

ፕረዚደንት ሶማል ብድሕሪ’ዚ፣ ነቲ ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብምኹናን፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸም ክልተ መዓልታት ድሕሪ’ቲ ኣዛዚ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሞቋድሾ ምስጢራዊ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ምምይያጡ’ዩ።

እዚ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምክያዱ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገርን፣ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብወለንትኦም ካብ መዝነቶም ምእላዮም’ዩ ኣጋጢሙ።

ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0