ሞሪሸስን ሲሸልስን 60% ካብ ህዝበን ጸረ ኮቪድ ክኸትባ ዝኸኣላ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነን

Radio Erena: 04 October 2021

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ክታበት ጸረ ኮቪድ ድሕሪት ተሪፈናሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፣ ሲሸልስን ሞሪሸስን ልዕሊ 60% ካብ ህዝበን ክኽተብ ከምዝኸኣለ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ 10% ካብ ህዝበን ክኸትባ ከምዝኸኣላ ዘመልከተ እቲ ትካል፣ እቲ ብዝሒ ኣብ ሞሮኮ 48%፣ ኣብ ኮሞሮስ፣ ቱኒዝያን፣ ኬፕ ቨርደን ድማ 20% ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

ዝበዝሓ እተን ልዕሊ 10% ካብ ህዝበን ብጸረ ኮቪድ ዝኸተባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንኣሽቱ ደሴታት፣ ውሑድ ህዝቢ ዘለወንን ዝሓሸ ቁጠባ ዝውንናን’የን።

ልዕሊ ፍርቂ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ 2% ካብ ህዝበን ጥራይ ዝኸተባ ክኾና እንከለዋ፣ ክታበት ዘይጀመረት እንኮ ሃገር ድማ ኤርትራ ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብ34% ጎዲሉ ኣሎ ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ እቲ ለበዳ ምሉእ ብምሉእ ንምግትኡ ዝከኣል፣ ብክታበት ጥራይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ዝበዝሓ እተን ብቑጠባ ዝዓበያ ሃገራት፣ ብዝሒ ናይ ዝተኸትበ ህዝበን ኣስታት 90% በጺሑ ኣሎ።

ምስዚ ቁጽሪ ብምንጽጻር፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ድሕሪት ተሪፈን እኳ እንተለዋ፣ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተማእኪሉ ዝካየድ፣ ክታበት ብምዕሩይ ኣገባብ ናይ ምብጻሕ መደብ ኮቫክስ’ውን ከምቲ ዝተሓስቦ ብዙሕ ክሽፍን ኣይከኣለን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0