ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ

Radio Erena: 23 January 2022

ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ።

መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብርሃም በላይ፣ ከምኡ’ውን ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ተመስገን ጥሩነህ ተቐቢሎሞ።

እቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዘተ ከካይድ ምዃኑ እየን ማዕከናት ዜና ሱዳን ዝገልጻ።

ምህናጽ ዲጋ ህዳሴ፣ ኣብ ዶብ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ መጋሃጫ መሬት ኣልፋሽጋ፣ ሱዳን ንሓይልታት ትግራይ ምሕጋዛ ዝቐረበ ክስታት፣ ገለ ካብቲ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ጉዳያት እዩ።

ብ19 ጥሪ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ሓላፊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ወተሃደራት፣ ብናይ ካልኦት ሃገራት ዝቕየሩሉ መስርሕ ተመያዪጡ እዩ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽቦ ዶባቱ ብምኽፋት ጽዕነት ነዳዲ ከምዝመሓላለፍ ምግባሩ፣ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከመሓዪሽ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ዓቃብ ሰላም ተጠርኒፉ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬቱ ክወጹ ኣቐዲሙ ብዝሓተቶ መሰረት እዩ እቲ መስርሕ ተጀሚሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0