ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 27 ሚልዮን ህዝቢ ውሕስነት መግቢ የብሉን

Radio Erena: 25 September 2019

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሸውዓተ ሃገራት ዝነብር 27 ሚልዮን ህዝቢ፣ ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሉ መንግስታት በዓል ስልጣን ንምዕባለ (IGAD) ገሊጹ።

እዚ ብዝሒ’ዚ፣ 24% ናይቲ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ዘይክኣለ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ከምዝሽፍን፣ እቲ ዞባዊ ውድብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ካብ ዘንጸላለወ ሓደጋታት ጥሜት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 8 ሚልዮን፣ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 6 ሚልዮን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን’ውን ብተመሳሳሊ ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ጸልዩ።

ኩነታት እዘን ሃገራት ኣብዚ ዓመት’ዚ’ውን ብዙሕ ከምዘይተቐየረ’ዩ ጸብጻብ IGAD ዘመልክት።

ምስ ብዝሒ ህዝቢ እተን ሃገራት ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ፣ ብፍላይ ደቡብ ሱዳን 59% ካብ ህዝባ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እዚ ማለት ድማ ሽዱሽተ ካብ ዓሰርተ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፣ ውሕስነት መግቢ የብሎም።

ኣብዚ ዞባ ውሕስነት መግቢ ክረጋገጽ እንተዘይክኢሉ፣ ሓደጋ ጥሜት ናይ ዘንጸላልውዎ ብዝሒ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል’ውን መጠንቐቕታታት ኣሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ደርቂ፣ ዘይብቁዕ ምሕደራ መንግስቲ፣ ዘይርግኡ መነባብሮን ግርጭታትን፣ ህዝቢ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ኣብ ዘይክእለሉ፣ ቀጻሊ ድኽነት ከም ዝነብር ዝፍለጥዩ።

መንግስታት እዘን ሃገራት፣ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ፣ ነዞም ኣውራ ጠንቅታት ዝኾኑ ነጥብታት ኣብ ምፍታሕ ቅልጡፍ ተበግሱ ክወስዱ፣ ዋና ጸሓፊ IGAD ማሕቡብ ሙዓሊም ኣተሓሳሲቡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0