ምብራቕ ሱዳን፣ መሰል ርእሰ ውሳኔ ክኽበር ዝጽውዕ ኣድማ ንወደብ ፖርት ሱዳን ከምዝዕጾ ጌሩ

Radio Erena: 07 October 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ዝጽውዕ ጠለብ ላዕለዋይ ባይቶ ብሄረ ቤጃ፣ ካብ መንግስቲ ሱዳን እወታዊ መልሲ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ ወደብን ጽርግያታትን ናይ ምዕጻው ኣድማ ኣካይዶም።

እቲ ኣብ ብ05ን 06ን ጥቅምቲ፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተኻየደ ኣድማ፣ ነቲ ብቀዳም 3 ጥቅምቲ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም’ውን ዝነጽግ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንድሌት ህዝቢ ቤጃ ምላሽ ክሳብ ዝህበሉ እቲ ኣድማ ክቕጽል ምዃኑ’ዮም ዘጠንቅቑ።

ሰለስተ ካብ ቀቢላታት ብሄረ ቤጃ፣ ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ገዛእ ርእሶም ከምዝገለሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ብዘይካ’ዚ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ብሄረ ቤጃ ሓድሕዶም ዘካይድዎ ግጭታት፣ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን’ውን ኣብ ምትፍናን’ዮም ዝርከቡ።

ገለ ካብዞም ቀቢላታት፣ ነቲ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ክድግፉ እንከለዉ፣ ካልኦት ከኣ ተቓዊሞሞ’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0