Update: ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ማእሰርቲ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ዝነበረ ፕረዚደንት ሱዳን ናብ ዓዱ ተመሊሱ

Update: ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ማእሰርቲ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ዝነበረ ፕረዚደንት ሱዳን ናብ ዓዱ ተመሊሱ

Radio Erena: 15 June 2015

Albash

ኣብ መበላ 25 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘምርሀ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብታ ሃገር ናይ ማእሰርቲ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ትማሊ ሰኑይ 15 ሰነ ናብ ዓዱ ተመሊሱ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ከተማ ጆሃንስ በርግ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብታ ሃገር ከይወጽእ ግዜያዊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኔሩ’ዩ።

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብታ ሃገር ከይወጻእ ግዝያዊ ትእዛዝ ዘመሓላለፈሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዝገሸሉ ሃገር ተታሒዙ ናብ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝብል መርገጺ ብምድጋፍ’ዩ።

 

እንተኾነ ሕብረት ኣፍሪቃን መራሕቲ መብዛሕተን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ነቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣልበሽር ዘሕለፎ ውሳኔ ስለዘይተቐበልኦ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ብሰላም ክፋኖ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምሉቝ ናብ ዓዱ ከምዘፋነዎ ዝሓበራ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፣ ኣብ መንጎ’ቲ መንግስትን ካብ ምትእትታው መንግስቲ ናጻ ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ምስሕሓብ ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪተን።

መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ብ2 ሰነ ቃለ መሓላ ዝፈጸም ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ካብ 11 ክሳብ 13 ሰነ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምዝታይ’ዩ ትማሊ ሰንበት 14 ሰነ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣምሪሑ።

ካብ ዝኾነ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግና ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዘይሳተፍ ሓያሎ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0