ምርጫ ሱዳን ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተረፎ ግዜ፣ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ክልተ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ለቒቑ

ምርጫ ሱዳን ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተረፎ ግዜ፣ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ክልተ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ለቒቑ

Radio Erena : 10 April 2015

Sudanelec

ምርጫ ሱዳን ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ግዜ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሒዝዎም ንዝጸንሐ ክልተ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ለቑቒ።

መንግስቲ ሱዳን ነዞም ንኣስታት 4 ኣዋህሕ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም ፋሩቕ ኣቡ ዒሳን ኣሚን ማኪ ማዳኒን ዝተባህሉ ክልተ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክለቆም ዝወሰነሉ ምኽንያት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የለን።

 

ሰኑይ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝካይድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሱዳን፣ ኢጋድን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ከም ተዓዘብቲ ኣባላተን ከዋፍራ እኳ እንተኾና፣ እቲ ን25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዑመር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ሕጂ’ውን ኣብ ስልጣን ክቕጽል ምዃኑ ብእግኡ ይግለጽ ኣሎ።

መብዛሕተን ተቓወምቲ ሰልፍታት ሱዳን ብሰንኪ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክገብሮ ዝጸንሐ ጸቕጥታት ኣብቲ ምርጫ ንኸይሳተፋ ምውሳነን’ዩ ዝግለጽ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0